መንበሪ ገዛ ምርካብ

መብዛሕትኦም ነበርቲ ስዊስ ኣብ ገዛ ክራይ ይነብሩ። ምድላይ መንበሪ ገዛ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን: ዋጋ ክራይ ገዛ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።

ዕዳጋ መንበሪ ገዛ

መብዛሕትኦም ነበርቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻረዩ ኣፓርታማታት ይነብሩ። መሬት ህንጸት ውሑድ ስለዝኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታትን ማእከላይ ማሕበረሰባትን ባዶ ኣፓርታማታት ብዙሕ ኣይኮነን። ዋጋታት ክራይ ልዑል እዩ። ርብዒ ኣታዊኻ ኣብ ክራይ ገዛ ከተውዕሎ ልሙድ ኣይኮነን። ካብ ማእከል ወጻኢ ኣፓርታማ ምድላይ ዋጋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣባይቲ ዝኽፈል ክራይ መብዛሕትኡ ግዜ ዝተሓተ እዩ። ነዚ ዕላማ ኣብ ምጅማር ክራይ ናይቲ ሕብረት ስራሕ ሰርቲፊኬት ኣክስዮን (ሼር ሰርቲፊኬት) ክዕደግ ኣለዎ። ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ስድራቤታት፡ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነታት፡ ኣብ ክራይ ገዛኦም ናይ ደገፍ ኣበርክቶ (Familienmietzinsbeiträge) ከመልክቱ ይኽእሉ

መንበሪ ገዛ ምርካብ

መንበሪ ገዛ ክራይ ዝምልከት ቀረባት ዝገብራ ብዙሓት ናይ ኢንተርነት ማዕከናት ኣለዋ። ኣብ ናይ ከባቢ ጋዜጣታት: ብዛዕባ ክራይ ገዛ ሓበሬታ ዝዝርግሓ ኣለዋ። ገለ ኣካረይቲ ገዛ: ኣብ ናይ ዕዳጋ ማእከላት ናይ ምምሕዳር ቤትጽሕፈትን (z.B. Gemeindeverwaltungen) ንምውዕዋዕ ገዛ ክራይ ይጽሕፉ። ብዙሓት ገዛውቲ ንክራይ ዝቐርቡ: ኣብ መወዓውዒ ኣይወጽኡን።ስለዚ ካብ ኣዝማድ ወይ ፈልጥቲ ብዛዕባ ንክራይ ዝኸውን ገዛ ምስማዕን ምሕታትን ጽቡቕ ኢዩ። .

ምምልካት ከም ተኻራዪ ገዛ

ሓደ ገዛ ክካረ ዝደሊ ሰብ: ከም ሕጊ: ምስ ኣካራዪ ወይ ወናኒ ትካል ክራይ ገዛ ይራኸብን: ንክርእዮ መዓልቲ ምርኣይ ቆጸራ ይገብር። ነቲ ገዛ ክካረዮ ከመልክት እንተደልዩ: ሓደ ናይ መመዝገቢ ቅጥዒ ክመልእ ኣለዎ። ነዚ ቅጥዒ ካብ ኣካራዪ ገዛ ይረኽቦ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ኣካረይቲ ገዛ ካብ ተኻረይቲ: ካብ ዕዳ ነጻ (Betreibungsregisterauszug) ምኻኖም መረጋገጺን ሓደ ሓርፋፍ ገምጋም ናይ ደሞዞም ከምጽኡ ይሕተቱ። በዚ ከኣ ነቲ ክራይ ክኸፍልዎ ከምዝኽእሉ ይረጋግጹ።ነቲ ናይ ካብ ዕዳ ነጻ ምኻንካ ዘረጋግጽ ወረቐት ካብ ትካል ምክትታል ዕዳ (Betreibungsamt) የውጽእዎ።ንሓደ ገዛ ክካረይዎ ዝደልዩ ብዙሓት ክኾኑ ስለዝኽእሉ ኣብ ብዙሕ ገዛውቲ ምምልካት ተመራጺ ይኸውን።

መንበሪ ክፍሊ / ገዛ ምግዛእ ወይ ምዕዳግ

ወጻእተኛታት ናይ ናይ ኩሉ ግዜ መንበሪ ፍቓድ C ዘለዎም ብዘይ ገለ ገደብ ኣብ ካንቶን Basel-Stadt ገዛ ክገዝኡ ይኽእሉ። እዚ መሰል ንካብ EU/EFTA-ዝመጽኡ እሞ መንበሪ ፍቓድ B ወይ ፍቓድ መንበሪ C ዘለዎም ውን ይፍቀድ። ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ ሰባት እሞ መንበሪ ፍቓድ B ዘለዎም: ገዛ ክገዝኡ እተደልዮም: ባዕሎም ጥራይ ክነብርዎ ኣለዎም። እቲ/እታ ዓዳጊ/ት ኣብቲ ውዕል ዝምልከተሉ ገዛ ክነብር እንተ ዘይመዲቡ፣ ነቲ ምዕዳግ ፍቓድ የድሊ። ብዝኾነ መንገዲ ንዕድጊ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኖታሪ የድሊ። ንካልእ መንበሪ ፍቓድ ከም (L, F) ዘለዎም ግን ገዛ ክገዝኡ ኣይክእሉን። እቲ ናይ ክራይ ክርክር ዝምልከት ግልግል ቦርድ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ይህብ (Schlichtungsstelle für Mietstreitigkeiten).