ሕክምናዊ ክንክን

ዝሓመመ ወይ ሓደጋ ዘጋጥሞ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሓደ ወይ ሓንቲ ናይ ገዛ ሓኪም ይኸይድ። ንእሽቱ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ምስዘጋጥሙ: ሰብ ካብ ቤት መድሃኒት ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ብርግጽ ዓቢ ሓደጋ ወይ ሕማም ምስዘጋጥም ግን ናብ ሕክምና ምኻድ የድሊ።

ቤት መሸጣ መድሃኒት

ቤት መድሃኒት: ብሓኪም ዝተኣዘዘ/ብጽሑፍ ዝተኣዝርዝር መድሃኒትን ካልእን ይሸይጥ። ንኣሽቱ ሕማማት ምስዘጋጥሙ: ሰባት ናብ ቤት መድሃኒት ክኸዱ ይምረጽ። ኣብ ቤት መሸጣ መድሃኒት ዝሰርሑ ሰባት እኹል ፍልጠት ዘለዎም ኮይኖም: ብዛዕባ ጥዕና ንዓማዊሎም ክመኽሩን ክሕግዙን ዝኽእሉ እዮም። ኣብ ፒተርስግራበን[Petersgraben] 3 ዝርከብ ናይ ህጹጽ እዋን ፋርማሲ ለይትን ኣብ ሰሙን ዕረፍቲን እውን ክፉት ስለዝኾነ ኣብ ህጹጽ እዋን መድሃኒት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ገዛ ሓኪም / ናይ ሕጻናት/ቆልዑ ሓኪም

ኣብ ስዊዘርላንድ ብዙሓት ሰባት ሓኪም ስድራቤት (Hausarzt oder Hausärztin) ኣለዎም። ውልቃዊ ሕክምናዊ ታሪኽ ይፈልጡን ንሕክምናዊ ጸገማት ቀዳሞት ርክብ ነጥብታት እዮም። ንህጻናት ዝኸውን ሓካይም ህጻናት ኣለዉ። ኣድላዪ እንተኾይኑ ነቲ ሕሙም ናብ ክኢላ ሓኪም ወይ ናብ ሆስፒታል ይልእኽዎ። ኣብ ከቢድ ህጹጽ ኩነታት ጥራይ ኢኻ ትኽ ኢልካ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ዘለካ። ንኹሉ ካልእ ህጹጽ ኩነታት፡ ማእከል ጻውዒት ህጹጽ ሕክምና (Medizinische Notrufzentrale፡ MNZ) ካብ ናይ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ናይ ምኽፋት ሰዓታት ወጻኢ ይርከብ። እዚ ን24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ብስልኪ ቁጽሪ 061 261 15 15 ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። መስመር ሜድጌት ኪድስ [Medgate Kids Line] በቲ ክፍሊት ዝኽፈል ቁጽሪ ተሌፎን 0900 11 44 11 ንህጻናትን መንእሰያትን ካብ ክፉት ሰዓታት መጥባሕቲ ህጻናት ወጻኢ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ዝርከቡ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ሓኪም ስኒ

ኣብ ስዊስ ናይ ስኒ ሕክምና ወይ ክንክን ባዕልካ ይኽፈል። ነዚ ግን ሓደ ተወሳኺ ናይ ድሕነት/ውሕስነት ክፍሊት ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ትምህርቲ ዝኸዱ ቆልዑት ግን ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ብነጻ ናይ ስኒ ጥዕና ክንክን ክግበረሎም መሰል ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ቤት ትምህርቲ የመሓላልፍ።

ሕክምናታት / ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ትካላት

ናብ ሕክምና (Spital)ክኸይድ ዘለዎ ሰብ: ብሓኪሙ ኣብ ቤት ሕክምና ክምዝገብ ኣለዎ። ከቢድ ሓደጋ ወይ ሕማም ምስ ዘጋጥም ግን ብቕጥታ ናብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ማእከል ክኸይድ ይኽእል። እቲ ሓደጋ ንሂወት ኣስጋኢ ወይ እቲ ሕሙም ብእምቡላንስ ናብ ሕክምና ክበጽሕ እንተለዎ ግን 144 ምድዋል የድሊ። ኣብ ቀሊል ናይ ህጹጽ ሓደጋ እንተኮይኑ ግን ናይ ገዛ ሓኪም ሓላፍነት ይወስድ።

ኣብ ገዛኻ ከሎኻ ዝወሃብ ናይ ክንክን ኣገልግሎት

ዝሓመመ ወይ ክንክን ዘድልዮ ሰብ: እሞ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክሕከምን ክንክን ክግበረሉን ምስዝድለ: ነቶም ካብ ሕክምና ወጻኢ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህቡ (Spitex) ክጠልብ ይኽእል። ክኢላታት ናይዚ መዳይ ከኣ ናብ ገዝኡ እናኸዱ ነቲ ተሓካሚ ይከናኸንዎ። እዚ ዓይነት ኣገልግሎት: ንዝኣረጉ:ሓደጋ ዘጋጠሞም ወይ ብርቱዕ ዝሓመሙ ሰባት: ከምኡውን ኣብ ግዜ ጥንሲን ሕርስን ጸገማት ንዘጋጠመን ኣዴታት ይወሃብ። ነዚ ዝግበር ክፍሊት ብከፊል ካብቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት (Grundversicherung) ይኽፈል። ብዘይካ ስፒቴክስ Basel ብዙሓት ናይ ብሕቲ ኣቕረብቲ ስፒቴክስ ኣለዉ።