ግብሪ / ቀረጽ

መጠን ክፍሊት ግብሪ ኣብ ኩነታት እትነብረሉ ምምሕዳር ከባቢ ይምርኮስ። እተን ቀንዲ ካብ ውልቀ ሰባት ዝሕተታ ክፍሊት ግብሪ/ቀረጽ: ደሞዝ:ዋኒነ ንብረትን ካብ ነብሲ ወከፍ ሽያጥ ዝለዓል ቀረጽ እዮም።

ስርዓተ ቀረጽ

ኣብ ስዊስ ቀረጽ (Steuern) ንመንግስቲ: ካንቶን: ምምሕዳር ከባቢን ህዝባዊ-ሕጋዊ ናይ ሃይማኖት ማሕበረሰባትን ይኽፈል። እዚ ከኣ ቀጥታዊን ተይቀጥታዊን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይምቀል። እተን ቀንዲ ኣገደስቲ ቀጥታዊ ግብሪ/ቀረጽ: ደሞዝን ዋኒነ ንብረት/ትካል ኮይነን: ብቀጥታ ካብቲ ቀረጽ ክኸፍል ዘለዎ ሰብ ይቕረጽ። ዘይቀጥታዊ ቀረጽ ዝበሃሉ ካብ ሽያጥ ንብረት ከም ሽያጥ ትምባኾ: ሽያጥ ነዳዲ ዝኣመሰሉ እዮም። ኣዚ ቀረጽዚ ኣብቲ ዝሽየጥ ንብረት ይርከቡ። ንብዙሓት ናይ ቀረጽ ዓይነታት ካንቶንን ምምሕዳር ከባቢን ሓላፍነት ስለዝሕዝዎም: መጠኖም ካብ ምምሕዳር ከባቢ ናብ ከባቢ ይፈላለዩ። መጻምድቲ ሰብ ሓዳር ብሓባር ከም ሓደ ሰብ ቀረጽ ይኸፍሉ።

ምንጪ ግብሪ / ቀረጽ

ሓደስቲ ናብ ምምሕዳር ከባቢ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት: ቀረጽ ብቀጥታ ካብ ደሞዞም: (ምንጪ ኣታዊ ግብሪ: Quellensteuer) ተቖሪጹ ይኽፈል። ንዚ ዝምልከት ምምዝጋብ ብወሃብ ስራሕ ይፍጸም።

  • መጠን ብዝሒ ቀረጽ ኣብ መጠን ደሞዝ: ብዓይነት ስድራቤት( ዘይምርዑው/ንጽል: ምርዑው: ዝተፋትሑ/ዝተፈላለዩ): ብብዝሒ ውላድን ይውሰን። ኣብ ኩነታት ስድራ ለውጢ እንተመጺኡ ንምምሕዳር ምሕባር ይግባእ።
  • ካብ ክፍሊት ምንጪ ግብሪ: ዝተፈላለዩ ምጉዳል ክግበር ይከኣል። ነዚ ዝምልከት ኣብነት: ናይ ውህለላ 3ይ ዓንዲ ሕቆ/ኣብ ግዜ እርጋን ዋሕስ ዝኸውን/ : ናይ ዕዳ ወለድን ንክቡር ናይ ሕማም መፈወሲ ዝግበር ወጻኢታትን።
  • ዝኾነ ንብረት ወይ ትካል (ተንቀሳቓስን ቀዋምን) ዘለዎም ሰባት፡ ብንጹር ክሕብሩን/ክእውጁን ግብሪ ዋኒኖም ክኸፍሉን ኣለዎም።
  • ዓመታዊ ኣታዊ ደሞዝ ካብ 120,000 ፍራንክ ንላዕሊ እንተኮይኑ: ናይ ግብሪ መኽፈሊ መብሪሂ ተጌሩ: ሓደ ስሩዕ ክፍሊት ግብሪ (ordentliche Besteuerung) ክኸፍል ኣለዎ።
  • - ንስዊሳት/ዊ መንበሪ ወረቐት C ወይ ናይ ስዊስ ፓስ( ወረቐት መነንት) ዘለዋ / ዎ ዘተመርዓወ/ት: መብርሂ ስሩዕ ክፍሊት ግብሪ ቅጥዒ (ordentliche Besteuerung) ክመልእ ይግባእ።

ናይ ካንቶን ምምሕዳር ቀረጽ/ግብሪ (Kantonale Steuerverwaltung) ንምንጪ ክፍሊት ግብሪ/ቀረጽ ዝምልከት ሓበሬታ ይህብ። ክፍለ-ሃገራዊ ምምሕዳር ቀረጽ ብዛዕባ ሕቶታት ቀረጽ ጥሪት ይሕግዝ።

ስሩዕ ኣከፋፍላ ግብሪ / ቀረጽ

ናይ ስዊስ መንበሪ ፍቓድ ሰ ከምኡውን ናይ ስዊስ መንነት ወረቐት ዘለዎም ሰባት: ብስሩዕ ቀረጽ/ግብሪ (ordentliche Besteuerung) ክኸፍሉ ይግባእ። ነዚኦም ክፍሊት ግብሪ ካብ ደሞዞም ብቀጥታ ኣይቑረጾምን ኢዩ። እንታይ ደኣ: ሓደ መብርሂ ክፍሊት ግብር (Steuererklärung) ቅጥዒ መሊእኹም ግብሪ ብመኽፈሊ ወረቐት ትኸፍሉ። ናይ ቀረጽ መግለጺታት ዋላ ኦንላይን ኣብ ኢንተርነት ክምላኡ ይከኣሉ። ኣቐዲምካ ክፍሊት (Vorauszahlung) ክትገብር ይምከር። መጠን ትጽቢት ዝግበረሉ ግብሪ ብመሳርሒ ግብሪ (Steuerrechner) ተጠቒምካ ክሕሰብ ይከኣል። ኣመላልኣ ቅጥዒ ናይ መብርሂ ክፍሊት ግብሪ: ንስዊሳዊያን ውን ከጽተረፈ: ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብቀሊል ዝይርዳእን ኢዩ። ስለዚ ንመጀመርታ ግዜኻ እንተኮይኑ: ነዚ ቅጥዒ ናይ ምምላእ ዝተሓጋገዙ ተምኩሮ ዘለዎም ሰባት ምሕታት የድሊ።