ምውጋን/ምጉሓፍ ጎሓፍ

ንምእላይ ጎሓፍ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ ኩሉ ምምሕዳር ከባቢ: ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታት ኣለዎ። ምፍልላይ ጎሓፍ ኣገዳሲ ስራሕ ኢዩ። ነዚ ከኣ ዝተፈላለዩ መእከቢ ጎሓፍ ቦታታት ኣለዉ።

ግኦሓፍ ምፍልላይን / ደጊምካ ምምስራሕን

ጎሓፍ ምፍልላይ ንምዕቓብ ከባቢን ገንዘብ ንምቑጣብን ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። ካልኣይ ዝሰርሕን ከባቢ ዘበላሹን ጞሓፍ: ኣብ ሓደ ፍሉይ መእከቢ: ናይ ካርቶን/ወረቐት: ናይ ባተሪ: ናይ ጥርሙዝ: ሓምላይ ጎሓፍ: ዘይቲ: ኣጭርቕቲ: ሓጺን... እናተባህሉ ይፍለዩ:እዚኣቶም ምስቲ ናይ ገዛ ጎሓፍ ኣይሕወሱን። ነብሲ ወከፍ ምምሕዳር ከባቢናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ጎሓፍ ምእላይ መደባት (Entsorgungsplan) ወይ ናይ ጎሓፍ ዓውደ ኣዋርሕ (Abfallkalender) ኣለዎ። ነዚ ኩሉ ሰብ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ዝምዝገበሉ ግዜ ይወሃቦ። ኣብዚ መዓስ ኣየናይ ጎሓፍ ኣበየናይ ቦታ ከምዝጎሓፍ ብዝርዝር ይሕበር። ጞሓፍ ምንዳድ ወይ ኣብዘይግቡእ ቦታ ምድርባይ ኩልኩል ኢዩ። ናይ ፕላስቲግ ጥርሙዝ (PET-Flaschen) ከምኡውን ካልእ ባኮታት ኣብ ኩሉ መሸጢ ቦታታት ብዘይ ክፍሊት ክምለስ ይከኣል።

ናይ ጎሓፍ ብላስቲክ / ዝልጠፍ ማርክ / ምልክት ክፍሊት

ዳግማይ ክጥቀሙሉ ዘይክእሉ ጎሓፍ (ጎሓፍ ገዛ፣ Hausmüll) ኣብ ወግዓዊ ቦርሳታት ጎሓፍ ኣብ Basel ወይ ኣብ ሪሄንን ቤቲንገንን ክድርበ ኣለዎ ኣብ ቦርሳታት ምስ ማሕተም ጎሓፍ ክድርበ ኣለዎ። ናይ ምጉሓፍ ክፍሊት ኣብ ዋጋ ናይቲ ሳእኒ ወይ ቶከናት ይካተት። እቶም ቦርሳታት ወይ ቶከናት ንኣብነት ኣብ ማእከላት ዕዳጋን ድኳናትን ኣብቲ ኮሙን ወይ ካብቲ ኮሙን ባዕሉ ክዕደጉ ይኽእሉ። እቲ ናይ ጎሓፍ ቦርሳ ኣብ ዝተወሰኑ መዓልታት ናይ ሰሙን ኣብ ጽርግያ (ወይ ኣብ ሳሕቲ ኣብ ካልእ መእከቢ ቦታ) ክግደፍ ኣለዎ። ነቲ ጎሓፍ ኣብ ካልእ መዓልታት ምቕማጥ ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ህንጻታት ኣፓርታማታት ሓደ ሓደ ግዜ ፍሉይ ናይ ጎሓፍ መትሓዚ ኣሎ። ዝኾነ ሕቶታት እንተሃልዩካ፡ እቲ መንበሪ ማሕበረሰብካ ወይ ጎረባብትኻ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ፍሉይ ጎሓፍ

ፍሉይ ጎሓፍ (Sonderabfälle) ብፍሉይ ክእለዩ ኣለዎም። መርዛማት ጎሓፋት ንከባቢ ክብክሉ ወይ ኣብኡ ነዊሕ ከጸንሑ ይኽእሉ: ንኣብነት: ሕብሪ ቀለማት: ቀመማት: ባተሪ: ናይ ኤለትሪክ ኣቕሑ: ኤለትሪክ ዝቑጥቡ ላምባታት ልቺ: ወይ ዝወደቐ መድሃኒት ዝኣመሰሉ ኢዮም። እዚእቶም ምስ ናይ ገዛ መግቢ ተረፍ ጎሓፍ ብፍጹም ክሕወሱ የብሎምን። እዚኣቶም ካብቲ ዝተገዝእሉ ቦታ ክጎሓፉ ኣለዎም። እቲ መስራሒ ወይ ኣፍራዪ ትካልን እቲ ሸያጢ ትካልን ነዚኣቶም ኣብ ምእላይን ምጉሓፍን: ካብ ተጠቃሚ ብዘይ ክፍሊት ክቕበልዎምን: ግዴታን ግቡእን ኣለዎም።