ግዱድ መርዓን ምቁራጽ ደቂ ኣንስትዮን (ምኽንሻብ)

ኣብ ስዊዘርላንድ ግዱድ መርዓ (Zwangsheirat) ከምኡ’ውን ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ (Mädchenbeschneidung) ክልኩል እዩ። ብዘይካ ፍሉያት ክፍልታት፡ ደገፍ ግዳያት እውን ደገፍ ይህብ።

ግዱድ መርዓ ማለት እንታይ እዩ?

ሓደ ሰብ ብጸቕጢ ስድራን ኣጻር ድሌት ናይቲ ሰብን ካልእ እንተተመርዕዩ ግዱድ መርዓ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ መርዓ ተቀባልነት ኣይህልዎን። ሰባት ኣብ መርዓ ክጸንሑ ወይ ክፈላለዩ እንተድልዮም ናይ ምምራጽ መሰል አለዎም። እንተድኣ ሓደ ሰብ ብዘይ ናይቲ ካልእ ድሌት ኣብ መርዓ ተጸኒሑ፣ ግዱድ መርዓ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብነታት ምግዳድ፦ ንምቅላዕ ምህዳድ፣ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ወይ ኣካላዊ ዓመጽ።

ግዱድ መርዓታት ኣብ ስዊዘርላንድ ክልኩላት እዮም።

ሓገዝ

ኣሃዱ ሃገራዊ ፍሉይ ብዓል ሞያ 'zwangsheirat.ch' ንግዳያትን ሰብ ሞያታትን ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነን ምስጢራውን ምኽሪ ይህብ፦ ናይ ሓገዝ መስመር 0800 800 007 ደውል ወይ ናብ info@zwangsheirat.ch ኢመኢይል ግበር

ናይ ጓል ኣንስተይቲ ምቁራጽ (ምኽንሻብ) እንታይ እዩ?

ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ምቁራጽ (ምኽንሻብ)፣ ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ብልዕቲ ይቁረጽ። ዝተፈላለዩ ቅርጽታትን ልምድታትን አለው። ዝተኸንሸባ ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ብሰንኪ ምኽንሻብ መብዛሕትኡ ግዜ ጥዕናውን ስነ ኣእምሮኣዉን ሳዕቤናት ይሳቀያ።

ምቁራጽ ኣዋልድ (ምክንሻብ) ክልኩል እዩ። ከምኡ'ድማ ወለዲ ንውላዶም ካብ ስዊዘርላንድ ወጻኢ ንምቁራጽ (ምኽንሻብ) ኣዳልዮም ብሕጊ ተሓተቲ እዮም።

ሓገዝ

እቲ መርበብ ኣንጻር ኣዋልድ ብልዕቲ ምቁራጽ (Netzwerk gegen Mädchenbeschneidung) ምስ ቀንዲ ሰባት ሓበሬታን ርክባትን ይህብ። ካሪታስ ስዊዘርላንድ ንዝተጎድኡ ስድራታት ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነን ምስጢራዉን ምኽሪ ይህብ፡ 042 419 23 55 / beratung@maedchenbeschneidung.ch

ማእከላት ምኽሪ ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe) ደገፍ ከቕርብ ውን ይኽእል።