መኪና / ሞተርሳይክል

ኣብ ስዊስ ኣዝዩ ብጽቡቕ ምትእስሳር ዝተሃንጸ ጽርግያታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ጽርግያታት ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ትጥቀመሉ። ናይ ተሽከርከቲ ሕግታት ኣብ ስዊስ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ሕግታት እንተዘይተተግቢሩ ኣብኡ ዝውሰን መቕጻዕቲ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።

ናይ ተሽከርከርቲ ሕግታት

ሕግታት ተሽከርከርቲ ኣብ ስዊስ ንመራሕቲ መካይን ኣዝዩ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ሕጊ ኢዩ። ነዚ ምስዘይትትግብር ዝግበር መቕጻዕቲ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዝማድ: ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ዓቢ ጉድለት ወይ ምጥሓስ ሕጊ ምምራሕ ተሽከርከርቲ ምስዝፍጸም ግን: እቲ መምርሒ ፍቓድ ብትራፊክ ክትሕደግ ይከኣል።
ገለ ኣገደስቲ ሕግታት:

  • ዝለዓለ ናህሪኣብ ውሽጢ ከተማ ወይ መንበሪ ገዛውቲ: 50 ክሎሜተር ኣብ ሰዓት: ኣብ ደገ : 80ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት: ኣብ ኣውቶስትራሰ: 100km/h፣ ኣብ ኣውራ ጎደና/ ዓቢ ጽርግያ: 120 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት
  • ኣብ ኣውራ ጎደና/ ዓቢ ጽርግያ:ብየማን ምሕላፍ/ምቕዳም ክልኩል ኢዩ፤ ብየማናይ ኢድካ ማኪና ኽትዝውር ዚፍቀደሉ ምኽንያት ኣብ ጸጋማይ ወይ ማእከላይ መተሓላለፊ ዓምዲ እንተ ተፈጢሩ እዩ።
  • መብራህቲ መኪና ዋላ ብመዓልቲ ክበርህ ኣለ
  • ኩሎም ሰባት ኣብ መኪ ተሳሮም ዘለዉ: ብቁልፊ ክእሰሩ ኣለዎም።
  • ቆልዑት ኣብ ናይ ቆልዑት ኮፍመበሊ ኮፍ ክብሉ ይግባእ( ክሳብ 12 ዓመት ዕድኦም ወይ 150 ሴንቲ ሜተር ቁመቶም።
  • እንዳዘወርካ ተለፎን ብናይ እዝኒ መስምዒ ጥራይ ምዝራብ ይፍቀድ።
  • ኣልኮል ወይ ሓሺሽ ወሲድካ ምዝዋር የቕጽዕ (Promillegrenze 0.5)
  • ብእግሪ ተጎዓዝቲ ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ( ኣብ መሰጋገሪ ኣጋር) ኣለዎም: ኣብ ሰማፈሮ/መብራህቲ ዘለዎ ግን ብሕጊ ምልክታት ይቕየድ

ናይ ጎደና ክፍሊት

ጎደናታት ብመንግስቲ: ካንቶንን ምምሕዳር ከባቢን ይምወሉ። ጎደናታት ብዘይ ገለ ክፍሊት ክትጥቀመሎም ይከእል። ካብዚ ወጻኢ ዝኾኑ: ቀንዲ ዓበይቲ ጽርግያታት ካብ ከተማ ናብ ካልእከተማ ዘራኽቡ/ ኣውቶባን: ክትጥቀመሎም ክፍሊት ኣለዎ። ነዚ ዓበይቲ ጽርግያ ዝጥቀም በዓል መኪና: ነዚ ዝምልከት ናይ ክፍሊት ትኬት ኣብ መኪና ዝጥቃዕ (Vignette) ገዚኡ ይጥቀም። እዚ ትኬት ኣብ ቅድሚት ዝርከብ ናይ መኪና ቤትሮ ይጥቓዕ። እዚ ትኬት ካብ ናይ እንዳ ነዳዲ ወይ ካብ እንዳ ፖስታ ወይ ኣብ ናይ ተሽከርከርቲ ቤት-ጽሕፈት ምግዛእ ይከእል።

ውሕስነት / ድሕነት

ኣብ ስዊስ ኣብ ናይ መኪና ድሕነት/ውሕስነት ዝተመዝገባ መከኣይን ጥራይ ምጥቃም ይከእል። ናይ መኪና ናይ ድሕነት/ውሕስነት ግዴታዊ ውዕል (Motorfahrzeug-Haftpflichtversicherung) ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ውልቂ ናይ ድሕነት/ውሕስነት ትካላት ይወሃብ።እዚ ውሕስነት: ኣብ ንብረትን ሰብን ንዝወርድ በቲ ተሽከርካሪ ዕንወት ይክሕስ:ኣብ ናይ ገዛእ መከናኻ ዝወርድዕንወት ግን ተወሳኺ ብድላይካ ትኣትዎ ድሕነት/ካስኮ/ (Kaskoversicherungen) ይሽፈን/ይከሓስ። መጠንቀቕታ: ካብ ሕግን ስርዓትን ምምራሕ መኪና ወጻኢ ብዝስዕብ ዕንወት ገን: እቲ ናይ ድሕነት ትካል: ኣይክሕስን/ኣሽፍንን ኢዩ። ንኣብነት: ኣልኮል ወይ ሕሺሽ ወሲድካ ምስትዝውር ንዝስዕብ ዕንወት: መራሕ መኪና ብሕጊ ተሓታቲ ይገብሮ።ናይ ተሽከርከርቲ ግዴታዊ ናይ ድሕነት ክፍሊት: ኣብ ናይ ውልቂ ግዴታዊ ናይ ድሕነት ክፍሊት ኣይጠቓለልን ኢዩ።

ካብ ደገ መኪና ምእታው / ምምጻእ

ሓንቲ ማኪና ንሓዋሩ ናብ ስዊዘርላንድ ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ናብ ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ ክትእውጅን ብጉምሩክ ከተጽርን ኣሎካ። እታ ማኪና ብተክኒካዊ መዳይ እውን ክትምርመር ኣለዋ። ናይ ማካይን ሓላፍነት መድሕን ናይ ስዊዘርላንድ ሰነድ ምዝገባ ማካይን ከምኡውን ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ፍቓድ ቀጸላ የድልየካ። ዝርዝር ሓበሬታ ኻብቲ Basel-Stadt (Motorfahrzeugkontrolle) ዚብሃል ቤ/ጽ ቍጽጽር ተሽከርከርቲ ሞቶር ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Carsharing

መኪና ምክፋል (Carsharing) ማለት፣ ሓያሎ ሰባት ሓንቲ ወይ ልዕሊኡ መኪና ብሓባር ይጥቀሙ። መካይን ናይ ሓደ መኪና ዝካፈል ትካል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝተኻረየ መዕረፊ መካይን ኮይነን ኣቐዲመን ብኢንተርነት ወይ ብመንገዲ ኣፕ ይሕዛ። እቶም ቦታታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከላት ህዝባዊ መጓዓዝያ (ንኣብነት መደበራት ባቡር፡ መጋጠሚ ትራም፡ መዕረፊ ኣውቶቡሳት) እዮም። ብኣንጻር ናይ መኪና ክራይ፡ ኣጠቓቕማ መኪና ንሓጺር ግዜ’ውን ይከኣል እዩ፡ ንኣብነት ብሰዓት።