ብውሑድ ገንዘብ ምንባር

ናብራ ስዊስ ብተዛማዲ ክቡር ኢዩ። በዚ ምኽንያት ካልኦት ሰባት ዝተጠቀምሉ ንብረት ምግዛእ ዘዋጽእ ኮይኑ ይርከብ። ሕጽረት ገንዘብ ዘለዎ ሰብ ካብ ፍሉያት ዱዃናት ብሕሱር ንብረት ምግዛእ ይከኣል።

ሓራጅ / ዘገልገለ / ሓዲሽ ዘይኮነ ንብረት

ኣብ ስዊስ ብዙሓት ናይ ሓራጅ መኽዘናት (Brockenhäuser) ኣለዉ። ኣብዚኦም ሓራጅ ንብረት ብሕሱር ዋጋ ምግዛእ ይከኣል። ኣብ ገለ ፍሉያት ቦታታት ውልቀ ሰባት ሓራጅ ንብረት ንመሸጣ የቕርቡ። ንኣብነት ናይ ገዛውቲ ዕዳጋ: (Flohmärkte) ናይ ቆልዑ ንብረት መሸጣ: ናይ በረድ ስፖርቲ መሳርሒ መሸጣ ወዘተ... ብተወሳኺ ናይ ኢንተርነት ባብ ንምሻጥን ምግዛእን ናይ ሓራጅ ንብረት ኣዝዮም ህቡባት እዮም።

ስፖርቲ / ባህሊ / ስልጠና

ብካርድ ኩልቱርለጊ/Kulturlegi፡ ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ኣብ ትርፊ ግዜ፡ ስፖርት፡ ባህላውን ትምህርታውን ፍጻመታት ቅናስ ይረኽቡ። እቲ ካርድ ኣብ ካሪታስ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ካሪታስ ሓበሬታ ይህብን ንኹልቱርለጊ መሰል ኣለካ ድዩ ኣይኮንካን ይምርምርን። ብFamilienpass፣ FamilienpassPlus ወይ colorkey ውን ንብዙሕ ንጥፈታት ቅናስ ትረክብ።

ናይ ካሪታስ ዕዳጋ

ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ንመዓልታዊ ሂወቶም ዘድልዮም ኣስቤዛን ናይ መግቢ ኣቑሑን ካብ ናይ ካሪታስ ድዃን (Caritas Markt) ብሕሱር ዋጋ ክገዝኡ ይኽእሉ። ነዚ ግን ሓደ ፍሉይ ካርድ ካብ ካሪታስ ዝወሃብ የድልዮ። ካሪታስ ብዛዕባዚ ካርድ ይሕብርን: መን እዚ ካርድ ክወሃብ ከምዝግብኦ ይረጋግጽ። ሓደ ድኳን ኣብ ባሰል ኣሎ።

ናይ መንግስቲ ሓገዝ

ውሑድ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ: ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ናይ መንግስቲ ሓገዝ ይወሃቦ። ነዚ ሓገዝ ዝምልከት ንኣብነት: ምሕሳር ዋጋ ናይ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት/ድሕነት ክፍሊት: ወይ ወፈያታት ንትምህርቲ ክወሃቡ ይከኣል። ኣብ ዝተፈልጡ ናይ ዕድመ ገደብ ንሰባት ብመንገዲ ማሕበራዊ ድሕነት ወይ ካብ ማሕበራዊ ሓገዝ: ገንዘብ ክወሃብ ይከኣል። ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ስድራቤት፡ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነታት፡ ናብ ክራይ ገዛኦም ናይ ደገፍ ክፍሊት (Familienmietzinsbeiträge) ከመልክቱ ይኽእሉ።