ምክትታል

ምክትታል ሓደ ዓይነት ዓመጽ ኮይኑ ኣዝዩ ኣጨናቂ እዩ። ብዛዕቡኡ ምዝርራብን ምኽሪ ምርካብን ኣገዳሲ እዩ።

ምክትታል እንታይ እዩ?

ምሒር ምጥማት፣ ምትንኻፍ፣ ምክትታልን ምሽጋርን ሰብ ምክትታል እዩ። እዚ ድማ ኣንጻር ድሌት ክትትል ዝግበረሉ ሰብ ዝግበር እዩ። እዞም ከምኡ ዝገብሩ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ግዳይ ( ናይ ቀደም መሻርኽቲ) ፍሉጣት እዮም፣ ይኹን'ምበር ኣጋይሽ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት፦ ብዙሓት ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት፣ ኢሜይላትን ካልኦት መልእኽትታት ምልኣኽ፣ ኣብ ስራሕ ወይ ገዛ ምጽንታው፣ ኣብ ተሌፎን ምግፋዕ፣ ዘይተደለዩ ውህብቶታትን ናይቲ ሰብ ከባቢ ሓበሬታ ምርካብ።

ምክትታል ናይቲ ግዳይ ኣካላዊ ጥዕናን ስነ ኣእምሮኣዊን ክጎድኣ ይኽእል እዩ።

ዓመጽ ምስናድ

እቲ ምክትታል ክረጋገጽ ዝኽእል ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፣ ግዳያት ናይ ነፍስወከፍ ተግባራት ምክትታል መዝገብ ክሕዝ ምኽኣል (ንኣብነት ውህብቶታት፣ መዘኻኸሪታት፣ ጻውዒት ተሌፎን)፣ ግዳያት ኣብ ከባቢኦም ዘለው ሰባት ክሕብሩ (ጎረባብቲ፣ ኣዕሩኽ ወይ ኣስራሒ) ክሕብሩ ይኽእሉ ከምኡ'ዉን ናይ ዝኾኑ መልእኽትታት (WhatsApp፣ Facebook፣ ወዘተ) ስክሪንሾት/ስእልታት ክወስዱ ይኽእሉ።

ደገፍ ምድላይ

ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe) ደገፍ ከቅርብ ይኽእል። እቲ ፍሉይ በዓል ሞያ ሕጋዊ ኩነታት ነጽርን ኣብ ቀጻሊ ደረጃታቶም ነቲ ግዳይ ይድግፍ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Sozialdienst) ፖሊስ ካንቶን ኣብ ስቶኪንግ ዝነጥፍ ፍሉይ ሞያ ዘለዎ እዩ። እቶም ዝተጠቕዑ ሰባት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እውን ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።