ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓባር ምንባር

ነፍሲ ወከፍ ሃገር ባህላዊ ፍሉይነታ ኣለዋ። ኣብ ስዊዘርላንድ እውን ክትፈልጦም ዝግበኣካ ዝተወሰኑ ስነ-ምግባራት ኣለዉ።

ዝተፈላለዩ ባህልታት

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተፈላለየ ባህልን ኣተሓሳስባን ኣሎ። እዚ እውን ብሰንኪ እቶም ኣርባዕተ ሃገራዊ ቋንቋታት እዩ። ኣብታ ቋንቋ ጀርመን እትዛረብ ስዊዘርላንድ ንቡር ዝኾነ ነገር ኣብታ ቋንቋ ፈረንሳ እትዛረብ ስዊዘርላንድ ፍጹም ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ ከተማን ሃገርን ዘሎ ፍልልይ እውን ዓቢ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ኩሉ ቦታታት ስዊዘርላንድ ሓደ ዓይነት ልምድታት ኣሎ።

ሰላምታ

ኣብ ስዊዘርላንድ ሰላምታና ከምዚ እዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ኣብ ኣዒንቲ ንሓድሕድና ንጥምት። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እውን ኣብ ኣዒንቲ ነንሕድሕዶም ይጥምቱ። ኣብ Basel "ግሪዚ" ንብል። ሰባት ኣዝዮም ክፋለጡ ከለዉ "ሳሊ" ወይ "ሆይ" እውን ይብሉ። ኣብ ዓዲ ሰባት ዋላ ዘይፋለጡ ኣብ ጽርግያ ሰላም ይብሉ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ጭውነት ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ ብዙሕ ግዜ "የቐንየለይ" "በጃኻ/ብኽብረትካ" ንብል። ንኣብነት ኣብ ድኳን ወይ ኣብ ቤት መግቢ ብዙሕ ግዜ "የቐንየለይ" "በጃኻ" ንብል።

ኣብ ግዜኻ ምርካብ

ኣብ ስዊዘርላንድ ብፍላይ ኣብ ስራሕ ሰዓቱ ምሕላው ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ልዕሊ 5 ደቂቅ እንተ ደንጉኹም ኣብ ሰናይ ግዜ ክትሕብሩና ብትሕትና ንሓትት። ምስ ሓደ ሰብ ክትራኸብ ትደሊ ዲኻ? ድሕሪኡ ኣቐዲምካ ቆጸራ ውሰድ።

ተዘዋዋሪ ዝርርብ / ምምሕልላፍ ሓበሬታ

ኣብ ስዊዘርላንድ መብዛሕትኡ ግዜ ነቐፌታ ብቐጥታ ኣይንገልጽን ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ጥራይ ኢና ንህብ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ እቲ ካልእ ሰብ ነቲ ነቐፌታ ከም ዝርድኦ ንገምት። ገና ኣብ ቋንቋ ጀርመን ንፉዕ እንተዘይኮንካ እዚ ብፍላይ ከጸግመካ እዩ።
ከምኡ’ውን ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ግርጭት ንርሕቕ። ጎረባብትኻ ንኣብነት ዝተረበሹ ይስምዖም? ሽዑ ምናልባት ብኣካል ከይበጽሑኻ፡ እንታይ ደኣ ደብዳቤ ክጽሕፉልካ ይኽእሉ። ትኽክል ተረዲኡካ እንተኾይኑ ርግጸኛ ኣይኮንካን? ሽዑ ደጊምካ እንተትሓትት ይሓይሽ።