ጥንሲን ሕርስን

ነብሰጾር ዝኾና ደቀንስትዮ:ኩሉ እቲ ዝግበረለን ንጥንሲ ዝምልከት ኣገዳሲ መርመራ ባዕለን ክኸፍልኦ ይብለንን። ኣብ ግዜ ሕርሲ ዝግበር ናይ መወልዳን ሓገዛትን ክንክንንውን: እቲ መሰረታዊ ናይጥዕና ውሕስነት ይኸፍሎ። ድሕሪ ሕርሲ ውን ወለዲ ብነጻ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ይረኽቡ።

ንጥንሲን ሕርሲን ዝግበር ወጻኢታት ክፍሊት

ኣብ ግዜ ጥንሲን ሕርሲን ዝግበር ሕክምናዊ ክፍሊት እቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት/ድሕነት (Grundversicherung) ይሽፍኖ። ኣብዚ እቲ ቅድሚ ሕርሲ ዝግበር ስሩዕ ተኽታታሊ መርምራ: ኣብ ግዜ ሕርሲ ዝግበር ሓገዛትን ክንክንን:ከምኡ ውን ኣገዳሲ ምትሕብባርን ይጠቓለል። ነብሰጾር ዝኾና ኣዴታት ኣብ ሓኪም ወይ ኣብ ክኢላ መወልዳን ኣቐዲመን ክምዝገባ ኣለወን። ሕክምናን ክኢላታት መወልዳንን ንኣገባብ ሕርሲ ምድላዋትን (Geburtsvorbereitungskurs) ዝምልከት ስልጠና ይህባ። ነዚ ዝምልከት ንስደታኛታት ተባሂሉ ዝዳሎ ፍሉይ ስልጠና ኣሎ። ሕርሲ ኣብ ሕክምና ወይ ኣብ መውለዲ ፍሉይ ገዛ ወይ ከኣ ኣብ መንበሪ ገዛ ክኸውን ይኽእል።

ድሕሪ ሕርሲ

ኣብ ስዊዘርላንድ ወለዲ ድሕሪ ሕርሲ ምኽሪ ምሕታት ልሙድ እዩ። ነዚ ድማ ማእከል ምኽሪ ኣዴታትን ኣቦታትን / ማእከል ምኽሪ ወለዲ (Elternberatungsstelle) ኣሎ። እዚ ድማ ብዛዕባ ምዕባለ፣ ኣመጋግባን ክንክንን እቲ ህጻን ሓበሬታ ይህብ። እቲ ምምኽኻር ብነጻ እዩ። እቲ ሓኪም ወይ መሕረሲት ብዛዕባ ኣድላዪ ናይ ምክትታል መርመራታት ንኣደን ንህጻንን ክሕብረካ እዩ። እቲ ቆልዓ ድሕሪ ሕርሲ ካብ ሰለስተ ወርሒ ዘይውሕድ ሕማምን ሓደጋን ውሕስነት ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ (መሰረታዊ መድሕንመድሕን ሓደጋ)። ቅድሚ ሕርሲ እዚ ምግባር ይሓይሽ።

ክታበት

ህጻናት ኣብ ግዚኡ ኣንጻር ዝተወሰኑ ሕማማት ክኽተቡ ይምከር። ይኹን እምበር ክታበት ግዴታ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ ናይቲ ዝምከር ክታበት ዝወጽእ ወጻኢታት ብመሰረታዊ መድሕን ይሽፈን። ሓኪም ህጻናት ወይ ማእከል ምኽሪ ወለዲ ብዛዕባ ክታበት ሓበሬታ ክህብ እዩ / ክትህብ እያ።

ምንጻል ጥንሲ

ኣብ ስዊስ ኣብተን ቀዳሞት 3 ኣዋርሕ ናይ ጥንሲ ግዜ: ጥንሲ ምንጻል ይከኣል። ድሕሪተን 12 ሳምንቲ ድቂ ምሓዝ ግን ምንጻል ጥንሲ: ንኣካልዊን ስነ ኣእምሮእዊን ጥዕና ናይታ ኣደ ኣስጋኢ ምስዝኸውን ጥራይ ይፍቐድ። እዚ ኩነታት ግን ሓኪም ጥራይ መርሚሩ ክውስን ኣለዎ። ሓንቲ ኣደ ጥንሲ ምንጻል ምስትደሊ: ምኽሪ ብነጻ ክትረክብ ይከእል። ንኣሽቱ ደቀንስትዮ ትሕቲ 16 ዓመት ዝኾና ኣብ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ናይ ምኽሪ ማእከል ክውከሳ ይግባእ። ንክፍሊት ነዚ ኩሉ መድሃኒትን ምኽሪን ዝምልከት እቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ይሽፍኖ።