ናይ ባንኪ ሕሳብ / ምኽፋል ሓስብ

ደሞዝ ዝኽፈልን ናይ ዝተፈላለዩ ሕሳባት ክፍሊት ክገብር ዝደሊን: ናይ ባንኪ ወይ ናይ ፖስት ሕሳብ ክህልዎ ይግባእ። ንምግዛእ ዝተፈላለዩ ነገራት ናይ ዕዳን ለቓሕን ካርድታት ብብዝሒ ይዝውተሩ።

ናይ ባንኪ ሕሳብ

ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ ዳርጋ ኩሉ ናይ ባንኪ ሕሳብ/ኣካውንት ኣለዎ። ንሰራሕተኛታት ደሞዞም ከም ሕጊ መሰረት ብልምዲ ኣብ ናይ ባንኪ ሕሳቦም/ኣካውንቶም ይመሓላለፈሎም።ብዙሓት ባንኪታትን ናይ ፖስታ ባንኪን ናይ ሕሳብ/ኣካውንት ንውልቀ ሰባት ይህባ። መኽፈቲ ናይ ባንኪ ሕሳብ ከም ልሙድ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ይግበር። ኣብዚ ግን ዝተፈላለዩ ክራይ ግብሪ/ቀረጽ ኣብ ክፍሊት ይኣትዉ። ኣብዚ ግብሪ/ቀረጽ ወይ ናይ ክራይ ክፍሊት: ወለድ ናይ ምህደራ ስራሕ እናተባህለ ዝግበር ክፍሊት: ከከም ባንኪ ክበዝሕ ወይ ክውሕድ ስለዝኽእል: ኣየናይ ከምዝበልጽ ምውድዳር የድሊ። ሓደ ናይ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት: መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ወይ ናይ መንነት ወረቐት የድልዮ።

ናይ ለቓሕ / ናይ ዕዳ ካርድታት

ሕኣደ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዘለዎ ሰብ: ከም ሕጊ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ካርድ ይወሃቦ። እዚ ገንዘብ ንከውጽእ ይቀመሉ። እዚ ኣብቲ ናቱ ባንኪ ሕሳብ ዘለዎ ጥራይ ይሰርሕ። ባንኪታት ወይ ናይ ፖስታ ባንኪ ግን ሓደ ናይ ዕዳ ካርድ (ንኣብነት ከም ማየስትሮ) ይህቡ። በዚ ዋና ናይ ባንኪ ሕሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ባንኪ ወይ ሃገራት እንተከይዱ ክኸፍል ይኽእል። ከከም ዓይነት ናይ ባንኪ ሕሳብ: ዝግበር ግብሪ/ቀረጽ ክፍሊት ይፈላለ። ናይ ለቓሕ ባንኪ ካርድ ካብ ዝተፈላለዩ ባንኪታት ክሕተት ይከእል። ናይ ምሕደራን ናይ ክራይ ክፍሊት ብዙሕ ይፈላለ። ብዚ ናይ ዕዳ/ለቕሕ ካርድ ምኽፋል ብተዛማዲ ብዙሕ ይዝውተር።

ናይ ቢል / ክፍሊት ወጻኢታት ምኽፋል

ንትረኽቦም ኣገልግሎታት ዝለእእኽ ቢል/ መኽፈሊ ሕሳብ (Rechnungen): ከም ልሙድ ብሕጊ ብመኽፈሊ ወረቐት ብፖስታ ወይ ብኢመይል ይለእኹ። ነዚኦም ንምኽፋል ሰለስተ ትኽእሎታት ኣለዉ።

  • ኢ ባንኪን: ኣዝዩ ዝውቱር ብኢንተርነት ዝኽፈልን ርጉጽ/ውሑስ ኢዩ።
  • ኣብ መኽፈሊ ቦታ ናይ ፖስት: እዚ ብመኽፈሊ ወረቐት ገሩ ሰብ ኣብ ፖስት ቤትጽሕፈት ብጥረ ገንዘብ ይኸፍል። ናይ ፖስታ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዘለዎ ሰብ: ክፍሊት ብቐጥታ ካብ ናይ ፖስታ ባንኪ ሕሳቡ ክኸፍል ይኽእል። ናይ ባንኪ ዓማዊል ዝኾኑ ሰባት: ዝኽፈል ሕሳቦም ኣብ መኽፈሊ ቦታ ናይቲ ባንኪ ክትግብርዎ ይከእል።
  • ብፖስታ: ናይ ምኽፋል ውዕል ብ ደብዳቤ ኣብቲ ባንኪ ወረቐት ብምልኣኽ ክትግበር ይከኣል። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ እቲ ባንኪ ወይ ፖስት ይሕብር።

ናይ ኣክፋፍላ ኣገባብ: እንደገና ንዝተመልሱ ናይ ክፍሊት ወረቐት/ ቢል ባንኪ ወይ ፖስት ይሕብር፥

  • ናይ መጨረሽታ ጽሑፍ ኣገባብ ውዕል (LSV) ኣዝዩ ምቹእ ኣገባብ ኣከፋፍላ ብቐጥታ ካን ናይ ባንኪ ሕሳብ: ኣቲ ቢል ከምዝኽፈል ዝገብር ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ እቲ ዝኽፈል ወይ ባንኪ/ፖስታ ይሕብር።
  • እቲ ዝኽፈል ዋጋ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት እንተኮይኑ: ንኣብነት ክራይ ገዛ: ኣብ ባንኪ ወይ ፖስት ሓደ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ውዕል ክፍሊት (Dauerauftrag) ንምስግጋር/ምኽፋል ይግበር።

ናይ ክፍሊት ወረቐት /ቢል : ኩሉ ግዜ ዝኽፈለሉ ግዜ ዝተወስነ ኢዩ።ኣብዚ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ሕሳብ ምስዘይክፈል: ሓደ ናይ ዕዳ መዝገብ ኣብ ጸሊም ሊስታ (Betreibung): ክግበር ይከእል።