እንስሳ ዘቤት

ዝኾነ እንስሳ ዘቤት ዝሕሉ ሰብ ዝተፈላለየ ሕግታት ክኽተል ኣለዎ። ንኣብነት፡ ገለ ዓይነታት እንስሳታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣፓርታማ ክቕመጡ ኣይክእሉን እዮም። ኣኽላባት ኣብቲ ካንቶን ክምዝገቡ ኣለዎም።

ምውናን እንስሳ ዘቤት

ኣብ ገዛ ክራይ ዝነብር ሰብ: ንኣሽቱ እንስሳታት ከም ረጋቢት: ዓሳታት: ማንቲለ .. ክሕዝ ይኽእል።ኣብ ናይ ክራይ ውዕል ግን ሓድሓደ ግዜ እኽላባትን ደማሙን ምሓዝ ክኽልከል ይከእል። ኣክራዪ ወዝ ኣካራዪት ንድምጽን ጫውጫውታን ዝገብሩን ሓደገኛታትን እንስሳ ክኽልክል ይኽእል። ኣብ ርእሲዚ ወነንቲ እንስሳ ዘቤት ናይ እንስሳታት ተጣበቕቲ ሕግታት ክፍጽሙ ይግባእ። ስለዚ ገለ ፍሉያት እንስሳታት (ንእብነት ከም ማንቲለ ዘቤት) ንበይኖም ክትሓዙ ኣይግባእን። ከምኡ ውን ዝተሓተ ምምላእ ቅድመ-ኩነት ናይ ሰፈር እንስታት ኣቃውማን ግዝፊን ስፍሓትን ኣብ ግምት ይእትዉ። ብዙሓት እንስሳታት: ናይ ደገ እንስሳታት ኣብ ስዊስ ክእትዉ ኣይፍቀድን። ንካልኦት እንስሳታት ዝምልከት ፍሉይ ፍቓድ ካብ ሓኪም እንስሳ የድሊ።

ኣኽላባት

ኣብ ካንቶን Basel-Stadt ሓደ ፍሉይ ናይ ኣኽላባት ሕጊ ኣሎ። ኣብዚ ሕጊ ብንጹር ናወነንቲ ኣኽላባት ዝምልከት ሕጊ ኣሎ። ዝያዳ ሓበሬታ ናይ ኣኽላባት ሓኪም ክህቡ ይኽእሉ።

  • ኩሎም ኣብ ስዊስ ዝርከቡ ኣኽላባት ብሓደ ሚክሮቺፕ ክምዝገቡ ኣለዎም። ሓደ ናይ ሓበሬታ ማዕከን ኣብ ኮሚተር ክምዝገቡ ኣለዎም። ኩሎም ኣኽላባት ናይ ከልቢ መንነት ከም ክረዲት ካርድ ዝመስል (Kreditkartenformat)ይግበረሎም። እዚ ምስ ናይ ገዛ ከልቢ መንነት ሓደ ኣይኮነን። ነዚ ከኣ ንመገሲ ነቲ ከልቢ ናብ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ክትጥቀመሉ ኣይከእልን።
  • ኣኽላባት ኣብ ካንቶን ክምዝገቡ ኣለዎም። ነዪ ከኣ ኦንላይን-ፎርም፣ ማለት ቅጥዒ ኣብ ኢንተርነት ኣሎ። ኩሉ ዓመት ግብሪ ክኽፈል ኣለዎ። ንነፍሲ ወከፍ ከልቢ ምእንቲ ኽዕቅቦ ናይ ሓላፍነት መድሕን (Haftpflichtversicherung) እውን ክምዝገብ ኣለዎ።
  • ኩሎም ወነንቲ ከልቢ ሰገራ ከልቦም ክእክቡን ክጉሕፉን ኣለዎም። ከምኡ ዘይገበረ ሰብ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።
  • ንገሊኦም ዓይነታት ዓሌታት ከልቢ (ንኣብነት ፒትቡል ወይ ሮትቫይለር) ፍሉይ ፍቓድ የድሊ።
  • ብሓፈሻ ኣብ መናፈሻታት ከተማን መጻወቲ ህጻናትን ኣኽላባት ኣይፍቀዱን እዮም። እቶም ናይ ከልቢ ነጻ ዝጎዩ ዞባታትን ናይ ከልቢ መሕጸቢ ቦታታትን ኣብቲ ናይቲ ካንቶን "ካርታ ኣገልጋሊ/ ማፕሰርቨር" ምልክት ተገይሩሎም ኣሎ።