ወለድን ስድራቤትን

ቆልዑት ዘለዎ ሰብ: ኣብ ምሉእ ስዊስ: ንቆልዑትን ንስልጠናን ዝኸውን ተወሳኺ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይወሃቦ። ኣብ ሞያዊ ስራሕ ንዝነጥፋ ኣዴታት: ኣብ ግዜ ሕርስን ምክንኽን ሕጻንን: ብውሕዱ 14 ሰሙን ዝኽፈል ዕረፍቲ ይወሃበን።

ናይ ኣደነት ዕስቢ ወይ ካሕሳ

ኣብ ሞያዊ ስራሕ ንዝነጥፋ ኣዴታት: ኣብ ግዜ ሕርስን ምክንኽን ሕጻንን: ብውሕዱ 14 ሰሙን ዝኽፈል ዕረፍቲ (Mutterschaftsurlaub) ይወሃበን። ኣብዚ ግዜዚ ብውሕዱ 80 ሚእታዊት ናይ ደሞዘን ይኽፈለን። ስራሕ ዘይብለን ኣዴታት: ወይ ክሰርሓ ዘይክእላ እንተኮይነን: ኣብ ካሳ ካሕሳ መሰል ኣለወንን የብለን ንምፍላጥ ይሓታ። ኣብዚ ፍሉይ ሕግታት ኣሎ። ኣብተን መጀመርታ 8 ሰሙናት ናይ ድሕሪ ሕርሲ: ኣዴታት ክሰርሓ የብለንን: መሰል ናይ ኣዴታት ተጥበቕቲ (Mutterschutz)።

ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ

ኣቦታት ውሉድ ምስ ተወልደ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ደሞዝ ዝኽፈሎ ናይ ኣቦ ዕረፍቲ (Vaterschaftsurlaub) ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። ከም ዕረፍቲ ሕርሲ (ኣዴታት) ዘይኰነስ ናይ ኣቦ ዕረፍቲ ተዓጻጻፊ እዩ፡ ከመይሲ ነዚ ኩሉ ብሓንሳእ ወይ በብሓደ መዓልቲ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር እቲ ሕጻን ካብ ዝውለድ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክኸውን ኣለዎ።

ንወለዲ ዝወሃብ ኣበል/ተወሶኺ ክፍሊት

ቆልዑት ዘለዎም ሰባት: ንወለዲ ዝወሃብ ኣበል/ተወሶኺ ክፍሊት (Familienzulagen) ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ይግበረሎም። እዚ ንቆልዑት ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ከም ተወሳኪ ንመእሰያት ከእ ክሳብ 25 ዕድሜኦም ናይ መሰልጠኒ ተባሂሉ ይወሃብ።ስለዚ ኣብዚ መሰል ዘለዎም: ኩሎም ወለዲ ዝሰርሑ እንተኮይኖም:ነብሶም ዝኸኣሉ ወይ ስራሕ ዘይብሎም ወለዲ ቅሩብ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ስለዚ ሰራሕተኛታት ወለዲ ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ደሞዞም ዝኽፈል ይወሃቦም። ዝያዳ ሓበሬታ ንተወሳኺ ክፍሊት/ኣበል ዝምልከት ካብ ጨንፈር ማሕበራዊ ድሕነት ይርከብ። መጠን ተወሳኺ ክፍሊት/ኣበል ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ።

ናይ ስድራቤት ክራይ ኣበርክቶ

ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ስድራቤታት፡ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነታት፡ ናብ ክራይ ገዛኦም (Familienmietzinsbeiträge) ናይ ደገፍ ክፍሊት ከመልክቱ ይኽእሉ። መጠን እቲ ኣበርክቶ ኣብ ኣታዊን ንብረትን ናይቲ ስድራቤትን መጠን ክራይ ገዛን ይምርኮስ።